ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ምሩዃት ኵናት ክበጽሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 20 July 2021

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ምሩዃት ኵናት ክበጽሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ትግራይ፣ ተታሒዞም ናብ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ናይ ሃለዋትን ዘለውዎ ኩነታትን ናይ ምፍላጥ መስርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ልዕሊ 6 ሽሕ ወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝማረኹ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ፣ ነቶም ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታታ ብናጻ ከምዝፈነውዎም ሓቢሮም።

ኣስታት 5 ሽሕ ምርዃት ገና ኣብ ኢዶም ከምዘለዉ ዝሓበረ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ገበናት ዝፈጸሙ ወትሃደራት ይኹኑ መኮንናት ክሕተቱ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ናብ ምርዃት ኵናት ከምዝበጽሐ ዘረጋገጸ ቀይሕ መስቀል፣ ብዝሖም ይኹን ብዛዕባ’ቶም ብናጻ ተፋንዮም ዝተባህሉ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ሓበሬታ ኣይሃበን።

ብዛዕባ ምሩዃት ብዝምልከት ብማዕከናት ዜና ዓለም ሕቶ ዝቐርበሉ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ 2020፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 50 ከባቢታት ተኣሲሮም ንዝርከቡ ልዕሊ 72 ሽሕ ሰባት ከምዝበጽሐ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0