ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ዘይሕጋዊ ሓምሻይ ፓትርያርክ ንምምራጽ ዝካየድ ዘሎ መደብ ኮኒኑ

Radio Erena: 21 April 2021

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ ብህግደፍ ዝእለዩ ጳጳሳት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ዘይሕጋዊ ሓምሻይ ፓትርያርክ ንምምራጽ ብስም ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንዘውጽእዎ መግለጺ ተቓዉሙ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት እቲ ብ08 ሚያዝያ 2021 ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ኣብ ዝተቓወመሉ፣ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መሳርሒ ፖለቲካ ካብ ምዃን ነጻ ክትወጽእ፥ ብዘይ ጸቕቲ ፖለቲካን ኢድ ኣእታውነት መንግሥትን ብመንፈሳዊ ሕጊ ጥራይ ክትመሓደር ደጊሙ ጸዊዑ።

“ንርእሶም ብዘይ-ሕጊ ‘‘ቅዱስ ሲኖዶስ’’ ኢሎም ዝሰምዩ፡ ብጽዕናኦም፡ ብስልጣን ቅድስት ስላሴ፡ ብኣፍ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝተወገዙ” ዝበሎም ኣቦታት፡ እቲ ሒዘሞ ዘለዉ መደብ፡ ሕጂውን እንተዀነ፡ ከምቲ ቅድሚ 14 ዓመታት፣ ኣብ ዓመተ 2007፡ ኣብ ሽመት ዘይሕጋዊ ራብዓይ ፓትርያርክ ዘጋጠመ፡ ንሉዓላዊነት ቤተክርስቲያን ዘፍርስ’ዩ ኢሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ንሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝበትኽ፡ ሕጊ ቤተክርስቲያን ዝግህስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣሓት ኣብያተክርስቲያን መንበረ ቅዱስ ማርቆስን ቤተ ምስሪን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ኤርትራን ዝተገብረ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ዝጥሕስ፡ ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ድማ ዘስዕብ፡ ሓደገኛ መደብ ምዃኑ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ tewahdo.org ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ ኣጠንቂቑ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሕጂውን ከም ቀደሙ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ኢሉ ዝኣምነሉ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ተመሊሶም፡ እቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ብኽብሪ ምስ ዝሕሎ ጥራይ ምዃኑ’ውን ኣስሚርሉ።

ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተግባር ውዒሉ፡ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ መንበረ ቅዱስ ማርቆስን ቅድስት ቤተክርስቲያንናን ምስ ዘይጠሓስን ጥራይ ድማ ድሕነትን ሓድነትን ናይታ “ሓንቲ፡ ቅድስት፡ ጉባኤ ዘሐዋርያት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን” ክሕሎ ዝኽእል ክብል ኣነጺሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0