ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣንጸላልዩ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ሓባራዊ ዕማም ከምዘድልዮ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣዘኻኺሩ

Radio Erena: 08 November 2019

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ኣንጸላልዩ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት፣ ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዘድልዮ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣዘኻኽሩ።

እቲ ውድብ ብ4 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሐ፣ እዋናዊ ሓበሬታ፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ዘንጸላልዎ ዘሎ ዞባ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝፈረየ ዕስለ ንበጣ፣ ኣብ ሶማልን እንቋቁሖታት ከምዝጸፈየ’ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ፣ ጌና ስግኣቱ ከምዘይትኣለየ ዝሓበረ እቲ ውድብ፣ ኣብ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን’ውን ዝምጽአ ቅንያት ብውሑድ ዓቐን ክርአ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ከባቢታት ሞሪታንያ፣ ኒጀር፣ ሊብያን ሞሮኮን’ውን ሓሓሊፉ ከምእተራየ ተገሊጹ።

ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ዘንጸላልወን፣ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዝርከባ ሃገራት፣ ብኣግኡ ምድላዋት ክገብራ፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣተሓሳሲቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0