ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሓድሽ ማዕበል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክጥቃዕ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 13 March 2020

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክኽሰት ከምዝኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣጠንቂቑ።

ኤርትራ እትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብናይ ምድረበዳ ዝፍለጥ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት’የን ዝርከባ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ፣ ንዝተወሰነ እዋን ካብ ገለ ክፋላት ጠፊኡ ጸኒሑ ብኻልእ ሸነኻታን ዶብታን እናሰገረ ኣብ ዘራእቲ ከቢድ ዕንወት ምውራድ ይቕጽሎ ኣሎ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ክኾና እንለለዋ፣ ኤርትራ’ውን ነቲ ብዞባታት ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ጸጸኒሑ ዘጋጥም ዘሎ ወራር ኣብ ምምካት’ያ ተጸሚዳ ትርከብ።

ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብምብራቕ ኣፍሪቃ፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ድማ ብስግር ቀይሕ ባሕሪ’ውን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩወን’ዩ።

እዚ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ምርብራብ ንወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዘራእቲን ልሙዕ መሬትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ዘመልከተ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ኣስታት 76 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ውድብ፣ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ክሳብ ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት እትነጽግ ነፋሪት ብሓገዝ ኣበርኪቱ’ዩ።

ይኩን’ምበር፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝተጸፍየ እንቋቆሖታት ክፈሪ ተኽእሎ ስለዘሎ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕጂ’ውን ብሓድሽ ማዕበል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክጥቃዕ ምዃኑ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣጠንቂቑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0