‘ሽግር ሶማል ዘብቅዕ፣ ነታ ሃገር ጓል-ኣንስተይቲ ምስ እትመርሓ እዩ’ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ፎዝያ የሱፍ ሓጂ ኣዳም

Radio Erena: 06 February 2022

ሽግር ሶማል ዘብቅዕ፣ ነታ ሃገር ጓል-ኣንስተይቲ ምስ እትመርሓ እዩ፣ ክትብል ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ፎዝያ የሱፍ ሓጂ ኣዳም ገሊጻ።
እታ እንኮ ጓለንስተይቲ ተወዳዳሪት ንማዕከን ዜና ኣናዶሉ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ፣ ሶማል ካብ ውግእ ናብ ውግእ ብዘይዕረፍቲ ትሰጋገረሉ ዘላ ቀንዲ ምኽንያት፣ ደቂ ተባዕትዮ ብዘርእይዎ ዘለዉ ናይ ኣነነት ርእሰ ምትዕብባይ እዩ ክትብል ገሊጻ።
ፎዝያ የሱፍ ኣብ መግለጺኣ፣ ንዝህቢ ሶማል ዘድልዮ ዘሎ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዘሰጋግሮ መራሒ እዩ፣ ነዚ ተተግብር ከኣ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ምስ እትኸውን እዩ ኢላ።
ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ዘለዉ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን፣ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድን ክልቲኦም ከም ፕረዚደንት ኣገልጊሎም እኳ እንተኾኑ፣ ኣብዚ ምርጫ’ዚ ከም መወዳድርታ ከምዘይትርእዮም እያ ትገልጽ።
ምርጫ ላዕለዋይ ባይቶ ሶማል ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ካብ 54 መናብር፣ እቲ 14 ንደቂ ኣንስትዮ ተሓዚኡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ፎዝያ የሱፍ ሓጂ ኣዳም፣ ናይ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ስልጣን ብምሓዝ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን’ታ ሃገር ታሪኽ መዝጊባ እያ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0