ሽዱሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣልሑቲ ተቐቲሎም

ሽዱሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣልሑቲ ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 July 2018

tanki yemenብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ተደጊፉ ስልጣን መንግስቲ ክመልስ ዝህቅን ዘሎ ሰራዊት የመን፣ ሽዱሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣል ሑቲ ከምዝቐተለ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ኣልሸርቕ ኣልኣውሳጥ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ምዕራብ ሳዓድ ዝርከብ ከባቢታት ማላሂት ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ብሓይሊ ኣየር ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ድጋፍ ከምዝተገብረሉ ተገሊጹ።

ሰራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ሓሙሽተ ግንባራት መጥቃዕቲ ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ጀሚሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ካብ ኤርትራ ዝብገስ ሰራዊት የመን’ውን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ መጥቃዕቲ ንምውራድ ገና ሓይልታት ይድርብ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ኣልዓረብያ ሓቢሩ።

ትሕተ ቅርጺ’ቲ ወደብ ከይዓኑ፣ ሰራዊት ኣልሑቲ ብዘይኲናት ክስሕብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ጻውዒት ምርኩስ ብምግባር ከም መንጎኛ ዝተላእከ ማርቲን ግሪፊዝ፣ ናይ መወዳእቲ ውጽኢት ዘተኡ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ብወግዒ ክሕብር ትጽቢት ይግበር።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0