ሽወደን፣ ኣብ ምጥርናፍ ኤርትራዉያን ስድራቤታት ክትክተሎ ዝጸንሐት መስርሕ ክትቅይር’ያ

ሽወደን፣ ኣብ ምጥርናፍ ኤርትራዉያን ስድራቤታት ክትክተሎ ዝጸንሐት መስርሕ ክትቅይር’ያ

Radio Erena: 08 March 2018

bandera swedenሽወደን ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤታት ክትክተሎ ዝጸንሐት መስርሕ ክትቅይር ምዃና ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝተዋህቡ ኤርትራውያን ሰብ ሓዳር፣ ኣብ ካልእ ሃገር ንዝርከቡ ኣባላት ስድራቤታቶም ንኸምጽኡ ናይ ግድን ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ክህልዎም ዘገድድ ሕጊ ክተርፍን፣ እቶም መጻምድቲ ቆልዑ ዘለዎም ምስ ዝኾኑ ከኣ ብመርመራ DNA ክውሰንን ዝብል ይርከቦ።

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጻምድቶምን ደቆን ንኸምጽኡ ናይ ግድን ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ክህልዎም ኣለዎ ዝብል ሕጊ፣ ንብዙሓ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓቢ መሰናኽል’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ብፍላይ እቶም ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ርክብ ዘይጸንሖም፣ ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡን 2% ክኸፍሉን ከምዝግደዱን ይፍለጥ።

ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዘይብለን ሃገራት ዝርከቡን ድማ ናብ ኬንያ፣ ሱዳንን ኡጋንዳን ብምስጋር ፓስፖርት ኤርትራ ንምውጻእ ክከላበቱን ጸኒሖም’ዮም።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0