ሽወደን፣ ንታሪኽ ህይወት ዳዊት ኢሳቕ እትድህስስ መጽሓፍ ተሓቲማ

Radio Erena: 20 August 2019

ታሪኽ ህይወት ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ን18 ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ እትድህስስ መጽሓፍ፣ ብቋንቋ ሽወደን ተሓቲማ፣ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ።

ኣዳላዊ ናይዛ 230 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ህቡባት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ማርቲን ሺብየ’ዩ።

እታ “ንዳዊት ምንዳይ” ዘርእስታ መጽሓፍ፣ ትማሊ 19 ነሓሰ፣ ኣብ ከተማ ሽወደን ብወግዒ ኣብ ዝተዘርግሓትሉ፣ ስድራቤት ዳዊት ኢሳቕ ዝርከብዎም ኣስታት 300 ዕዱማት ከምዝተረኽቡ ወኪል ኤረና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ሺብየን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ፍሉይ ሓለፋ ዝተገብረሉ ሽወደናዊ’ዩ።

ንሱ ኣቐዲሙ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ካልኣይዩ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሕለፍዎ 438 ናይ ማእሰርቲ መዓልታት እትገልጽ መጽሓፍ ከምዘቕረበ ዝዝከር’ዩ።

እታ መጽሓፍ፣ ኣብ ሽውደን ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ዝተሸጣ ክትከውን በቂዓ’ያ።

እዛ ንታሪኽ ህይወት ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ እትድህህስ መጽሓፍ’ውን ኣብ ሽወደን ልዑል ተቐባልነት ከምዝህልዋ ትጽቢት ተነቢሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ብውሕዱ 11 ጋዜጠኛታት፣ ንኣስታት 18 ዓመታት ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ጌሩ ምህላዎ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣- blankspot.se

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0