ሽወደንን ፈረንሳን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 350 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ርዋንዳ ከጣይሳ’የን

Radio Erena: 15 January 2020

ሽወደንን ፈረንሳን፣ ካብ ሊብያ ተመሊሶም፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ግዝያዊ መዓስከር ጋሾራ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከተጣይሳ ቃል ከምዝኣተዋ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ሎራ ቬልካላን ሓቢራ።

ንሳ ምስ ሳቱርደይ ታይምስ ኣብ ዝገበረቶ ቃል መጠይቅ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ ኖርወይ ኣስታት 600 ሓተቲ ዑቕባ ንምጥያስ መደብ ከምዘለዎ ምግላጹ፣ ሽወደንን ፈረንሳ’ውን ተመሳሳሊ ድሌት ከምዘለወን ምርግጋጸን ጠቒሳ።

ሽወደን፣ 200 ሓተቲ ዑቕባ ከተጣይስ ምዃና ክትሕብር እንከላ፣ ፈረንሳ ብወገና 150 ክትወስድ’ያ።

ኣብ ርዋንዳ፣ ግዝያዊ መዓስከር ጋሾራ፣ ኣብ ሊብያ ካብ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ዝተመልሱ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ሓተቲ ዑቕባ ኣለዉ።

ኣስታት 100 ካብኣቶም ብዘይኣለዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ተወሰኽቲ ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳን ንምስግጋሮም ዝተፈተነ መደብ ክቕጽል ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0