ሻምፕዮን ዓለም ግርማይ ገብረስላሴ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ልምምድ ኣካይዱ ከብቅዕ ኣብ ማራቶን ኦሪገን ዘይምስታፉ፣ ኣሰልጣኒኡ ዝተሰምዖ ቅሬታ ገሊጹ

Radio Erena: 19 July 2022

ኣብ ኣመሪካ፣ ኦረገን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፣ ኣብ ውድድር ማራቶን ተስፋ ዝተነብረሉ ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ልምምድ ኣካይዱ ከብቅዕ፣ ዘይምቅድዳሙ፣ ውልቃዊ ኣሰልጣኒኡ፣ ጀሮኒሞ ብራቮ ሮድሪገዝ፡ ዝተሰምዖ ቅሬታ ገሊጹ።

ኣብቲ ብሰንበት 17 ሓምለ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ዝተሳተፉ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ዑቕበ ኣብርሃም፣ ጐይትኦም ክፍለን ህዝቕኤል ተወልደን መበል 16፣ 22 ከምኡ ድማ 44 ደረጃታት ብምሓዝ’ዮም ንውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ 2015 ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ማራቶን፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ሻምፕዮን ዓለም ዝኾነ፡ ምኩር ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፡ ኣካል ናይ`ዛ ኣብ ውድድር ማራቶን ዝተኻፈለት ጉጅለ ኮይኑ ልምምዱ’ኳ ከካይድ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ኣይተሳተፈን።

እቲ ምኩር ኣትለት ካብዚ፣ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን፣ ብሓፈሻ 10 ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ መበል 18 ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፣ ኣብ ውዱእ ሰዓታት ዝቦኸረሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ውልቃዊ ኣሰልጣኒ ናይ’ዚ ኣብ ውድድር ማራቶን ኒውዮርክ ቀዳማይ ብምውጻእ ጋማ ዓወት ዓቲሩ ዝነበረ ኣትሌት፡ ኣብ ናይ ብሕታዊ ናይ ፈይስቡክ ማህደሩ ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ ግርማይ ምስ ትርኑዕ ተሞክርኡን ህሉው ብቕዓቱን፡ ምስ`ታ ንኤርትራ ወኪላ ኣብ ውድድር ማራቶን ዝቐረበት ጋንታ ብዘይ ምክታቱ፡ ዝተሰምዖ ቕሬታኡ ገሊጹ።

ኣብዚ ቅድድም፣ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላ፡ ክብረወሰን ሻምፕዮን ውድድር ማራቶን ዓለም ብምስባር፣ ተሸላሚ 70 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ብምዃን’ዩ ተዓዊቱ።

 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Wedi Eyob Eyob 2 years ago

    ኤር sport to do comfortable they do need
    Eritrea to separate politic from Sport!
    Inferior to እሰያስ unelected government ምኻን ቀሊል
    አይኮነን! መልሽካ to Compress people like tuna & ecpected the Team of Sport to win ?Why?How?
    Sport & politic 🌎 the worldwide are trying to spreate issues!