ሸይላ ኪታሩት ኣብ ማልታን ቱኒዝያን ተዓቝቦም ምስ ዘለዉ ኤርትራውያን ክትዘራረብ’ያ

ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትርምርምር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ኣብ ቱኒዝያን ማልታን ተዓቝቦም ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ሸይላ ኪታሩት፣ ድሕሪ’ቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተወሳኺ መርትዖታት ንምእካብ’ያ ናብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መዐስካርት ቱኒዝያን ማልታን ከተምርሕ ምዃና ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ካብ 11 ክሳብ 20 ሕዳር ኣብ እተካይዶ ዑደት፣ ኣብቲ መዓስከራት ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀጥታዊ ዝርርብ ብምክያድ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ክትእክብ’ያ።

ሸላ ኪታሩት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንክትምርምር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕዳር 2012 ድሕሪ ምምዛዛ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብታ ሃገር ከይትኣቱ ስለዝኸልከላ’ያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ሃገራትን ተዓቝቦም ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ኣካላትን ንምዝርራብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ጸብጻባ ዘቕረበት።

ኣብ ቀዳማይ ጸብጽባ ድማ ኣውራ ጠንቂ ስደተ ኤርትራውያን፣ ኣብታ ሃገር ብመንግስቲ ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ኣረጋጊጻ።።

ዕማም እታ መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እንደገና ንሓደ ዓመት ስለዝተናውሐ ድማ፣ ተወሳኺ መጽናዕታት ንምክያድ ሓበሬታ ንምእካብ ድሮ ዑደታ ኣብ ቱኒዝያን ማልታን ናብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣቕኒዓ ትርከብ።

ካልኣይ ጸብጻባ ድማ ኣብ ሰነ 2014 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ’ያ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0