ሶማል ፣ ምስ መርገጺ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ

Radio Erena: 20 November 2020

መንግስቲ ሶማል፣ ምስ መርገጺ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዝተሓሓዝ፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣሕመድ ዒሰ ዓዋድ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ብስም እቲ ሚኒስተር ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ንሓድነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ከምዝድግፍ ብምጥቃስ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንኸብቅዕ፣ እጃሙ ከበርክት ድሉው ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እቲ መግለጺ፣ ቀልጢፉ ተሳሒቡ። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ መግስታዊ ትካላት እታ ሃገር ተለጢፉ ዝነበረ’ውን ከምዝእለ ተጌሩ።

ድሕሪ’ዚ እዚ ፍጻሜ፣ እቲ ነቲ መግለጺ ዝዘርግሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እቲ ሚኒስተር ነበር፣ ኣብ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፣ ኣቐዲሙ ዝወጸ መግለጺ ናይ ውልቁ ርእይቶ ደኣ’ምበር ናይ መንግስቲ ከምዘይኮነ ተናሲሑ።

ድሕሪ ደጊም፣ ኣብ ዝኾነ ናይ መግስቲ ስራሕ ከገልግል ከምዘይደሊ’ውን ኣፍሊጡ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ጉዳይ መርገጺ ናይቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተመቓቒሎም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0