ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ኣለዋ ዝብለ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ተሰጕጕ

ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ኣለዋ ዝብለ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ተሰጕጕ

ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ኣለዋ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ሶማላዊ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ከምዝተሰጎጕ ሬድዮ ዳስላን ካብ ሞቛድሾ ሓቢራ።

እቲ ዓብዱላሂ ዱል ዝተባህለ፣ ዳይረክተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምርስት፣ ንሃገራዊ ረብሓኣ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝጠቕስ ዓንቀጽ ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ።

“ህዝቢ ፍልስጤም፣ ጸላኢ ገዛእ ርእሱ’ዩ፣” ዝበለ እቲ ሶማላዊ በዓል ስልጣን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝፍጽሞ መጥቓዕታት ይኹንን ከምዝግብኦ ኣስሚርሉ።


እንተኾነ፣ ንሱ፣ ነቲ ኣብ ሶማላውያን ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዓለ ፣ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፣ ጸኒሑ ድሕሪ ምድሳሱ፣ ናይ ቅልቂ ርእይቶኡ ምንባሩ ገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ዝተፈለ መርገጺ ዘለዎ በዓል ስልጣኑ ብኡ ንብኡ’ዩ ካብ መዝነቱ ሰጕግጉዎ።

ዓብዱላሂ ዱል ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ ንታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ “እዚ ናተይ መርገጺ ብዙሓት ሶማላውያን ዘሎ ሓሳብ’ዩ።” ኢሉ።

ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ እምበር ሶማልን እስራኤልን ዝምድና ምምስራተን ዘይተርፍ’ዩ ክብል’ውን ደምዲሙ።

እቲ ሶማላዊ በዓል ስልጣን ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ሃገራት እስላምን፣ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ጎቦታት ጎላን፣ ንመርገጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ይኹንናሉ ኣብ ዘለዋ ግዜ’ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ነቲ ኣካል ሶርያ ዝነበረን ድሕሪ ኵናት 1973 ብእስራኤል ዝተታሕዘን ጎባታት ጎላን፣ ኣብ ዝሓለፍ ቅንያት ከም ልኣኡላዊ ግዝኣት እስራኤል ኣፍልጦ ከምዝሃቦ ይዝከር።

ምስ ተተሓሒዙ፣ እስራኤል ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ንምኹናና ውስናኤ ንምሕላፍ፣ ኣብ 22 መጋቢት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ፣ ሶማል ናይ ድጋፍ ይኹን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠበት ዲፕሎማስያይውን ምንጭታት የቃልዑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0