ሶማል ምስ ኢራን ዝጀመረቶ ዝምድና በቲኻ

ሶማል ምስ ኢራን ዝጀመረቶ ዝምድና በቲኻ

Radio Erena: 11 January 2016

Tra so

ሶማል፣ ኣሰር ሱዳንን ጅቡትን ብምስዓብ ምስ ኢራን ዝጀመረቶ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ በቲኻ።

እታ ሃገር ነቲ ምስ ኢራን ጀሚራቶ ዝነበረት ዝምድና ትበትኽ ዘላ፣ ንስዑዲ ብምድጋፍ ኣሰር ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ብምስዓብ’ያ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዑማር ዓብደራሽን ዓሊ ሻርመረክ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሕብሮ፣ ሶማል ምስ ኢራን ዝምድንኣ ንምዕባይ ክትሰርሕ እኳ እንተጸንሐት፣ ኢራን ግና በንጻሩ ኣንጻር ሃይማኖታዊ ክብረታት ህዝቢ ሶማል ክትሰርሕን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማል ከኣ ኢዳ ከተእቱን ከምዝጸንሐት’ዩ ዝወቕስ።

 

ኢራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ ዝርከባ ሃገራት ንምሕያሉ ክትጽዕረሉ ዝጸንሐት ዝምድናታት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ይርከብ።

ሱዳን፣ ጅቡቲን ሶማልያን ምስ ኢራን ዝነበረን ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኻ ብወግዒ ክሕብራ እንከለዋ፣ ኤርትራ ግና ምስ ኢራን ዘለዋ ኩነታት ኣይነጸረተን።

ይኹን’ምበር ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ እታ ንግስነት ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብወግዒ ኮኒና’ያ።

ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ኢራን ዝነበረን ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ዝበተኻ ሃገራት ባሕሬን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት፣ ቀጠር፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ሶማልያን ብምድማር ሸውዕእተ በጺሐን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ትማሊ ሰንበት 10 ጥሪ 2015 ኣብ ካይሮ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣባላቱ ኣብ ጉዳይ ኢራን ዘለወን መርገጺ ብንጹር ከመልክታ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ነቲ ባይቶ ዝመርሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ዓብደላ ቢን ዛይድ ኣል ናሕያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክትከላኸል ብዘይምኽኣላ ወቒሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0