ሶማል፣ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ወይ ቀጠር ክትሕዝ ኣብ ቀጻሊ ጸቕጢ ምህላዋ ፕረዚደንት ፋርማጆ ገሊጹ

Radio Erena: 18 November 2019

ሶማል፣ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ወይ ቀጥር ክትሕዝ ኣብ ቀጻሊ ጸቕጢ ከምዘላ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ገሊጹ።

ንሱ፣ ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቱ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ንዜጋታት ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ከምዝጸለዎ ኣረጋጊጹ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣንጻር ቀጠር ዝፈጠርኦ ከባባ፣ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሒዘንኡ ንዝጸንሓ ፖሊስ ክሳብ ምጥምዛዝ ዝበጽሕ ሳዕቤን ከምዘገንፈለ ተንተንቲ የረድኡ።

ኤርትራን ጅቡቲን ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክሕዛ እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ማእከላይ መርገጺ’ዩ ዘለወን።

ብፍላይ ሶማል፣ ካብ ክልትኢም ወገናት ሓገዝ ክግበረላ ምስ ምጽንሑ፣ ምስቲ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ናብ ሓዲኡ ክትዛዙ ብቀጻሊ ጸቕጢ ይግበረላ ከምዘሎ’ያ ተመልክት።

ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና እንተበቲኻ፣ ስዑዲ ዓረብ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ከተበርክተላ ምዃና ክትመባጻዕ እንከላ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና ኣቐዲማ ዝጀመረቶ ፕሮጀክታት ከተደስክል’ያ ተራእያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ኻይረ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሶማል ናብ ቀጠር በጺሑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር ምስ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ዘተኮረ ሓያሎ ነጥብታት ተመያይጡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0