ሶማል፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ

Radio Erena: 26 May 2023

  • ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሓፈሻ ልዕሊ 43 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ OCHA ኣፍሊጡ።

ኣብ ሶማል፣ ብሰንኪ ደርቂ፣ ኵናትን ዕልቅልቕ፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተመዛበለ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ መጀመርያ ግንቦት ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ፣ 433 ሽሕ ህዝቢ ኣባይቱን ንብረቱ ራሕሪሑ ፈቐድኡ ክበታተን እንከሎ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝወረደ ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ድማ ልዕሊ 408 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኡ ኣመዛቢሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብታ ሃገር ብዝተኸስተ ደርቂ፣ ልዕሊ 312 ሽሕ ህዝቢ፣ ማይን መግብን ንምምእራር ከምዝሳገመ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣነጺሩ።

ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብኵናትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ተፈጡሩ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ዝውዕል ናይ ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ምወላ ንምውህላል፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ምስ መወልቲ ሃገራትን መሻርኽትን፣ ብ24 ግንቦት፣ ኣብ ኒውዮርክ ዋዕላ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሶማላውያን፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐ ተጠቒሱ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሓፈሻ ልዕሊ 43 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መብዛሕቱ እቲ ህጹጽ ናይ ረዲኤት ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኬንያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ሱዳን ከምዝርከብ ‘ዩ ዝግለጽ።

ምልካውያን ስርዓታት፣ ኵናት፣ ደርቂ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ዕልቕልቕን እናተበራረዩ ግዳይ ዝገበርዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሓደ ካብቲ ዘይርጉእን ዝበዝሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲትሉን ዘሎ ዞቦታት ዓለምና’ዩ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0