ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 3 ዓመታት ዝገበሩ ወትሃደራት፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክኣልሉ ምኽንያት ኣዘራራቢ ኮይኑ

Radio Erena: 21 July 2022
ኣብ ሶማል፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 3 ዓመታት ዝገበሩ ወትሃደራት ሓደ ካብ ዓበይቲ መዘራረቢ ኣርእስታት ኮይኑ ከምዘሎ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ካብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ዝተመልሰ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ወከልቲ ወለዲ ናይቶም ወትሃደራት ኣብ ሞቛድሹ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክምለሱ ምዃኖም ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ፣ ንጹር ዕለት ኣይሃበን።

ንሱ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወትሃደራት ሶማል፣ ቴሌፎን መደወሊ ሞቕሽሽ ከምዝተዋህቦም ብምሕባር፣ ናብ ወለዶም ክድውሉን ኩነታቶም ካብኣታቶም ክትሰምዕዎን ኢኹምን ኢሉ ኔሩ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን ብዛዕባ ምምላስ እዞም ወትሃደራት ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይቕጽል ስለዘሎ፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተወሳኺ መግለጺ ክህበሉ ተደጊዱ።

ኣፈኛ ናይቲ ቤት ጽሕፈት፣ ዓብደልከሪም ዓሊ ካር፣ ብ19 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሶማላውያን ወትሃደራት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ፣ መንግስቲ ሶማል ንኤርትራ ክኸፍሎ ውዕል ዝኣተዎ ገንዘብ ክኸፍል ስለዘይክኣለ’ዩ ንዝብል ሕቶ፣ ሓሶት’ዩ ክብል መሊሱ።

ከም ቱርኪን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት ወትሃደራት ሶማል ኣሰልጢነን’የን ዝብል እቲ ኣፈኛ፣ እዚ ግና ብምትሕግጋዝ ደኣ’ምበር ብገንዘብ ከምዘይነበረ ጠቒሱ።

ናይ ኤርትራ’ውን ካብኡ ዘይፍለ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ይኹን’ምበር፣ ኣስታት 5 ሽሕ ዝኣኽሉ ወትሃደራት፣ ንኣስታት 3 ዓመታት ኣብ ካልእ ሃገር ይዕለሙ’ዮም ዘለዉ ዝብል መግለጺ ዝእመን ኣይኮነን ዝብል ርእይቶታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይውሕዝ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣይተሳተፍን ድሕሪ ምባሉ፣ ብዛዕባ መዓስ’ዮም ዝምለሱ ዝብል ነጥቢ ግና ከይመለሶ’ዩ ሓሊፉ።

ምምላስ ናይዞም ‘ተታሊሎም ናብ ኤርትራ ከይዶም’ ዝብል ወቐሳ ዝውሕዘሉ ዘሎ ወትሃደራት ሶማል ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣማውታ ናይቶም ብህይወት ዘየለው ኣማኢት ኣባላቶም’ውን ካልእ ሕቶ ከልዕል ምዃኑ’ዩ ዝዝረብ።

መብዛሕትኦም እቶም ወትሃደራት፣ ኣብ 2019 ናብ ቀጠር ፍሉይ ስራሕ ኣሎ ተባሂሎም ተወሲዶም፣ ናብ ኤርትራ ንዕስክርና ተታሊሎም ከምዝተወስዱ ሓያሎ መርበባት ዜና ንወለዶም ብምጥቃስ ጸብጻባት የቕርባ።

መብዛሕቶም እቶም ወለዲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፣ ደቆም ናብ ሃገሮም ክምለስሉ ዘይክኣሉ ምኽንያት ካብ መንግስቲ ሶማል ወግዓዊ መብርሂ ይሓቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ኣብ መንጎ ኡትዮጲያን ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ዝቀጸለ ናይ ኣብ ዶብ ናይ ይብጻዝሃሓንን እጀታይን ክርክር፡ ኣብዚ እዋን ዳርጋ መዕለቢ ዝረኸበ ኾይኑ ይመስል። ካብ tzehaye sium ኣብ google