ሶማል፣ ኣብ ሸውዓተ ኣዋርሕ ክልተ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ብኮቪድ 19 ሞይቶም

Radio Erena: 11 October 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ነበር፣ ፕሮፌሰር ዓሊ ኻሊፍ ጋልድያ፣ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኡ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅጅጋ ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ብ8 ጥቅምቲ ብሃንደብት ድሕሪ ምሟቱ፣ ጠንቒ ሞቱ ኮረና ቫይረስ ምዃኑ ሰበ ስልጣን ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ገሊጾም።

እንተኾነ፣ ዝኸነ ምልክታት እቲ ሕማም ከምዘየርኣየ ዝጠቕሱ መቕርቡ፣ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ዓሊ ኻሊፍ ጋልድያ፣ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ብ ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ’ዩ።

ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ከምዝሞተ ዝጥቀስ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ነበረ እዚ ካልኣይ’ዩ።

ኣብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ነበር፣ ኑር ሓሰ ሑሰን ዓደ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ እባ ለንደን ከምዝሞተ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ’ውን ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ነበር፣ ሓሰን ኣብሺር ኣብ ቱርኪ ሞይቱ’ዩ። ጠንቒ ሞት ኮረና ቫይረስ ምዃኑ ግና ኣይተረጋገጸን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0