ሶማል፣ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ማንታ መጥቃዕቲ ቦምባ ተኻዪዱ

Radio Erena: 30 October 2022

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ጥቓ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዝተኻየደ ማንታ መጥቃዕቲ ቦምብ፤ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ዕጡቓት፤ ድሕሪ’ቲ ኣብ ክልተ መካይን ዝተጻወደ ቦምባታት ምፍንጃሩ፤ ተኹሲ ከምዝኸፈቱ፤ ኣባል ጸጥታ ኣሕመድ ዓሊ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ኣልሸባብ ምዃኖም ዝተገልጹ ሰባት፤ ናብቲ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቅድሚ ምእታዎም ብኣባላት ጸጥታ ተደፊኦም ከይተታሕዙ ከምልጡ እኳ እንተኸኣሉ፤ ኣዴታትን ህጻናትን ክቐትሉ ከምዝኸኣሉ ግና እቲ ኣባል ጸጥታ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ብዕለት 14 ጥቅምቲ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፤ ብውሑዱ 512 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፤ ካልኦት 290 ከኣ ከምዝቖሰሉ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0