ሶማል፣ ንወትሃደራውያን መኮንናት ዒላማ ኣብ ዝገበረ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Thursday, 13 March 2025

ኣብ ማኣከላይ ሶማል፣ ከተማ በለድወይን፣ ወትሃደራውያን መኮንናትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዝዓርፍሉ ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ብሰሉስ 11 መጋቢት፣ ኣብ ካይሮ ሆቴል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ብምፍንጃር ዩ ፈሊሙ።

ድሒሩ ድማ ዕጡቓት ናብቲ ሆቴል ብምእታው ሰባት ክቐትሉ ከምዝጀመሩ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ እቲ መርበባት ዜና ኣመልኪተን።

ዛጊት ዓበይቲ ዓድን ወትሃደራውያን መኮንናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓያሎ ከምዝቖሰሉውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይቲ መጥቃዕቲ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ኣልሸባብ ምዃኑ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ወቒሶም።

ካብ ሞቛድሹ ኣስታት 335 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ በለድወይን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ዞባ ሒራን እትርከብ ኮይና፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት፣ ልዑል ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ከምዘለዋ ትጥቀስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0