ሶማል፣ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም

ሶማል፣ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 06 February 2019

ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ብሰኑይ 4 ለካቲት፣ ኣብ ዕሙር ንግዳዊ ማእከል ዝተኻየደ መጥቓዕቲ፣ ኣብ መኪና ቦምብ ብምጽዋድ’ዩ ተፈጺሙ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም ከምዘለው ዘረጋገጸ ፖሊስ ከተማ ሞቛድሾ፣ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ነዚ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ ኢትዮጵያዊ ጀነራል፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ካብ ዝምዝዝ ኣብ ሓጺር መዓልታት’ዩ።

ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኬንያ፣ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ግዳያት ሞትን መቁሰልትን ጌሩ’ዩ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0