ሶማል፣ ምስ ጅቡትን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ትዝቲ

ሶማል፣ ምስ ጅቡትን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ትዝቲ

Radio Erena: 04 June 2018

Kenya Somalia Presidents

መራሕቲ ኬንያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶባትን ህሉው ኩነታት ሽበራውያን ጉጅለታት እቲ ዞባን ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተዘራረብሉ፣ ኣበርክቶ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ሶማልን ናይ መጻኢ መደባትን ብዝምልክተ ከምዝዘተዩ’ውን ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ብሓይሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ተሰንዩ ናብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ብዘይካ ኣብ ጸጥታ ኣብ ዲፕሎማስን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝተመያየጡ ካብ ቤተ መንግስቲ ኬንያ ዝተዋህበ መግለጺ ይጠቕስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሶማልን ጅቡትን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተመ ተሓቢሩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ዒሰ ዓዋድ ዝምራሕ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኣሰራርሓ ወደባትን ምትእትታው ናይ ካልኦት ሃገራት ኩባንያታትን ብዝምልከት ምስ ጅቡታዊ መዘንኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ ኣብ ጸጥታውን ካልኦ ጉዳያትን ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል ስምምዓት ከምዝኸተሙ ምንጭታት ዜና ሶማል ሓቢሮም።

እቲ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ’ውን ተፈሊጡ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0