ሶማል፣ ምርጫ ክካየድ ከምዘይክእል ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 29 June 2020

ሶማል፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክካየድ ከምዘይክእል ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣደ መንበር ኮሚሽን ምርጫ፣ ሓሊማ ያረይ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ ኣብ ሶማል ዘሎ ኩነታት፣ ተኣማንን ርትዓውን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ከምዘይኮነ ኣነጺራ።

ተኣማንን ርትዓውን ምርጫ ንምክያድ ብውሕዱ ናይ 13 ኣዋርሕ ግዜ ምድላው ከምዘድሊ ጠቒሳ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ ፓርላማ እታ ሃገር ደገፉ እንተሂብሉ፣ እቲ ዝቐልጠፈ ክካየድ ዝኽእል ናይ ምርጫ ግዜ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝመጽእ ዓመት ምዃኑ ኣሚታ።

ፓርላማ ሶማል ብዛዕባ ተኽእሎታት ምክያድ ምርጫ ዘለዎ ተቓውሞ ወይ ደገፍ ንምሃብ ክእከብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክካየዱ ካብ ዝተመደቡ ምርጫታት፣ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝሰረዘት ቀዳማየቲ ሃገር ኢትዮጵያ’ያ።

ጎረቤታ ሶማል ድማ ንኢትዮጵያ ክስዒባ ካልኣይቲ ክትከውን ከምእትኽእል ኣንፊታ ኣላ።

ኡጋንዳ’ውን ንዓመታ ክካየድ ዝተመደበ ምርጫ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ክሰጋገር ከምዝኽእል ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣተንቢሁ’ዩ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንህዝብታት ዓለም ሻቕሎት ክፈጥር እንከሎ፣ ንሓያሎ መለኽቲ ስርዓታት ዘይተሓስበ ምርቓ ኮይንዎም ምህላዉ ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0