ሶማል፣ ምሉእ ደገፍ ባይቶ ዝረኸበ ሓድሽ ቀ/ሚ ስልጣን ተረኪቡ

Radio Erena: 25 September 2020

ኣብ ሶማል፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተረቑሐ፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ፣ ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ምሉእ ደገፍ ድሕሪ ምርካቡ ስልጣን ተረኪቡ።

215 ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ብረቡዕ 23 መስከረም ኣብ ዘካየድዎ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ዝተረኽበሉ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ 100% ደገፍ ድሕሪ ምርካቡ፣ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ክጅምር’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም፣ ኣባላት ካቢነ ኣብ ዝመርጸሉ እዋን፣ ኣገደስቲ ረቋሒታት እታ ሃገር ቀዳምነት ከምዝሰርዕ ቃል ኣትዩ።

ፓርላማ ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ንክልተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝነበረ ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎ ኣይርሳዕን።

እቲ ቀ/ሚ ነበረ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስጓጉ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0