ሶማል፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣልሸባብ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሰሊሙ

Radio Erena: 28 August 2020

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣልሸባብ ምዃኑ ዝተገልጸ፣ መሓመድ ዓብዲ ሓሰን፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኢዱ ሂቡ።

እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 30ታት ዝርከብ ኣባል ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ፣ ቓንሳ ድሒር’ዩ፣ ብረቡዕ 26 ነሓሰ ኢዱ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።

ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣብቲ ዞባ ዕጡቓት ኣልሸባብ ናይ ምህዳን ስርሒት ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

መሓመድ ናብ ሰራዊት መግስቲ ኢዱ ዝሃበሉ ምኽንያት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብ መንጎ መሪሕነት ኣልሸባብ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ምዃኑ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣመሪካ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ 6 ኣባላት ናይቲ ምስ ኣልቓዒዳ ስምረት ከምዘለዎ ዝገልጽ ጉጅለ ኣልሸባብ ከምዝቀተለት ኣፍሊጣ።

እቲ ደብዳብ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣልሸባብ፣ ኣብ ጥቃ’ቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዓስኪርሉ ዘሎ፣ ኣብ ዞባ ታሕታይ ሸቤለ፣ እትርከብ ዳርሳላም ዝተባህለት ቁሸት ዘካየዶ መጥቃዕቲ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0