ሶማል፣ ሓያል ዝናብ ብዝፈጠሮ ዕልቕልቕ 10ታት ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 200 ሽሕ ተመዛቢሎም

Radio Erena: 15 May 2023

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝወረደ ሓያል ዝናብ ብዝፈጠሮ ዕልቕልዕ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ሽሕ ድማ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ሒራን፣ ዝበዝሐ ክፋል ከተማ በለድወይን፣ ብዕልቕልቕ ተዋሒጡ ከምዘሎ ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት፣ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ናይ ዝተጸልዉ ብዝሒ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ ዝወረደ ሓያል ዝናብ፣ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ወሓዚ ሸበሌ መሊኡ ስለዝተፈርሽሐ፣ ነቲ ዕልቕልቕ ከምዘጋደደ’ዩ ተመልኪቱ።

ብኵናትን ደርቂን፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኺሱቱዋ ዘሎ ሶማል፣ ናይዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዕልቕልቕ ተሓዊስዎ፣ ንብዝሒ ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት እታ ሃገር ኣዛይድዎ ኣሎ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝወርድ ዘሎ ሓያሎ ዝናብ፣ ኣብ ርዋንዳን ኮንጎን’ውን ዝሓለፈ ቅንያት ኣማኢት ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0