ሶማል፣ ሃገራዊት ራድዮ፣ ብቋንቋ ጣልያን ፈነወ ምጅማራ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ

Radio Erena: 16 January 2022

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብሃገራዊት ራድዮ፣ ብቋንቋ ጣልያን ዝመሓላለፍ መደባት ክፍኑ ብምጅማሩ፣ ኣብታ ሃገር ቁጠዐ ከምዝፈጠረ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ መንግስቲ፣ ምስ ኢጣልያ ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት’ዩ፣ ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ፣ ካብ ሞቛድሹ ብእትመሓላለፍ ራድዮ እታ ሃገር ናይ ቋንቋ ጣልያን ፈነወና ኣታኣታትዩ ዘሎ።

ዝርዝር ናይቲ መንግስታት ሶማልን ኢጣልያን ዝበጽሕዎ ስምምዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ራድዮ ሞቛድሹ ብጣልያን ክትፍኑ ምጅማራ ግና፣ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ሶማል ክብሪ ዝህብ’ዩ ክብሉ’ዮም ዜጋታት እታ ሃገር ዝቓወምዎ ዘለዉ።

መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ሶማል ካብ ዘብቅዕ ልዕሊ 70 ዓመቱ ሓሊፉ ክነሱ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ቋንቋ ጣልያን ንዘይፈልጡ መንእሰያት ወለዶ፣ ብቋንቋ ኢጣልያ መደባት ክፍኑ ምጅማሩ ኣብታ ሃገር ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ሶማልውያን ኣብ ዩኒቨርስታት ኢጣልያ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ይህብ ከምዘሎ ዝሓበራ መርበባት ዜና፣ ኣብ ሆስፒታላትን ካልእ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ሶማልን’ውን ናይ ምትሕግጋዝ መደብት ተደፍኣሉ ምህላዋ ኣነጺረን።

ኢጣልያ ናብ ሶማል እትገብሮ ዘላ ጠመተ፣ ኣብ ሶማል ዝነበራ ጽልዋ ንምምላስ ዝዓለመ’ዩ ክብል፣ ኣብ በርሚንግሃም ዩኒቨስርቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዝኾነ፣ ዶክተር ዓብዲወሊ ጋራድ ንገልግሎት ዜና ኣናዱሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረዲኡ።

ንኤርትራ፣ ሶማልን ሊብያን እትገዝእ ዝነበረ ኢጣልያ፣ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ብሓይልታት ኪዳን ተሳዒራ ነዘን ሃገራት ክትሓድገን ከምዝተገደደት ይፍለጥ።

እዛ ሃገር ጽልዋታታ ኣብተን ግዝኣታ ዝነበራት ሃገራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክጠፍአ እኳ እንተኸኣለ፣ ሓድግታቱ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይቕጽል ኣሎ።

ንኣስታት 100 ዓመት፣ ኣብ ኣስመራ ዝነበረት እንኮ ኣህጉራዊ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓጽያ፣ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ተሰጋጊራ’ያ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0