ሶማል፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ተቐቲሉ

Sunday, 27 November 2022

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይታ ሃገር መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ከምዝተቐትለ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ብኣቡ ዓብዲራሕማን ዝፍለጥ መሓመድ ሓሰን ዑመር፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝቖሰለ ክግለጽ ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ፣ ብሰንኪ መውጋእቱ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ከምዝሞተ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣልሸባብ ሞት ናይቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣቡ ዓብዲራሕማን ሓቂ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ብሰንኪ መውጋእቲ ዘይኮነ ብዝጸንሖ ሕዱር ሕማም ምዃኑ ገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣንጻር ኣልሸባብ ጽዑቕ ኲናት ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ክቕተሉ ኣቡ ዓብዲራሕማን ካልኣይ እዩ።

ንመራሒ’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣቡ ዑበይዳ ክትክእ ግምታት ተነቢሩዎ ዝነበረ ዓብዱላሂ ናዲር፣ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘካየደቶ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ መንግስቲ ሶማል ኣቐዲሙ ገሊጹ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0