ሶማልያ ኣብ መወዳእታ 2016 ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ እያ

ሶማልያ ኣብ መወዳእታ 2016 ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ እያ

somali preሶማልያ ኣብ መወዳእታ 2016 ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ እያ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ባይቶኣዊ ምርጫ ካብ ዕለት 14 መስከረም ክሳብ 10 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ። ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከኣ ዕለት 30 ጥቅምቲ ክግበር ምዃኑ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ሓቢሩ።

 

ኣብ ፈለማ 90ታት ድሕሪ ምውዳቕ ሲያድ ባረ ኣትሒዛ ኣብ ኲናትን ዕግርግርን ዝጸንሐት ሶማልያ ኣብ 2012 እያ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣቚማ። ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ምርጫ፣ ዓበይቲ ዓዲ ዝተፈላለያ ቀቢላታት 14 ሽሕ ወከልቲ ክመርጹ እዮም። ካብኦም ከኣ 30 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ዝርከብኦም 275 ኣባላት ባይቶ ክምረጹ እዮም።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብዚ ዝካየድ ምርጫ ከም ሕጹይ ክሳተፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ናይ ፊንላንድ ዜግነት ዘለዋ ፋዱሞ ዳዪብ እትርከቦም ካልኦት ሕጹያት እውን ኣብዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደሩ እዮም።

ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ኣልሸባብ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ናይዚ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማልያ ከይከውን ዓቢ ስግኣት ከምዘሎ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0