ሶማልያ፣ ንልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

ሶማልያ፣ ንልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 02 October 2018

somalia b att.ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ፣ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዝጸዓነት መኪና መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

በቲ ብሰኑይ፣ 1 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ሮይተርስ ሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ፣ ባንዴራ ኢጣልያን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተሰቕላ መኪና ገለ ክፋላ ዓንንያ ክትልዓል ከምዝርኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።

ነቲ ልኡኽ ዝዓጀባ ድሩዓት መካይን ተመራሪሐን ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ እዋን፣ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ብምፍንጃር ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከምዝነበሮ ኣልሸባብ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ገሊጹ።

ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ክሕብር ምዃኑ’ውን እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሓደ ካብ ኣውራ መወልቲ ናይቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ስለያን ርክብን ስልጠናታት ከምዝህብ’ውን ይግለጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0