ሶማልን ጂቡቲን ሽበራ ኣብ ምምካት ብሓባር ንዘካይድኦ ዘለዋ ቃልሲ ከሐይላ ምዃነን ይገልጻ

Radio Erena: 22 August 2019

መራሕቲ ሶማልን ጂቡቲን፣ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዘካይድዎ ዘለው ሓባራዊ ቃልሲ ከሐይሉ ምዃኖም ገሊጾም።

እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ፣ ብ19 ነሓሰ ናብ ጅቡቲ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ምስ ጂቡታዊ መዘንኡ እስማዒል ዑመር ገለ ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ’ዩ።

መራሕቲ ሶማልን ጂቡቲን፣ ኣብ ክልተኣውን ዞባውያን ጉዳያት ብኣካል ተራኺቦም ክመያየጡ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ እዚ ንመበል ሳልሳይ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ሶማል ዝቐንዐት ወትሃደራዊት ነፋሪት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደቡባዊ እታ ሃገር ናብ እትርከብ ከተማ ኪስማዮ ከይትዓርፍ ከምዝተኸልከለት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ገሊጾም።

እታ ኣስታት 90 ወትሃደራት ዝጸዓነት ነፋሪት ናብታ ከተማ ከይትዓልብ ዝተኸልከለትሉ ምኽንያት፣ ብመንግስቲ ኬንያ ዝድገፍ፣ ንምንጻል ዞባ ጁባላንድ ዝቖመ ርእሰ ምምሕዳር ናይታ ዞባ ስለዘየፍቀደላ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እታ ካብ ዞባ ጌዳ፣ ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ነፋሪት፣ ናብ ኪስማዮ ከይትዓልብ ድሕሪ ምኽልካላ፣ ናብ ባይዶዋ’ያ ኣምሪሓ።

ኬንያን ሶማልን ነዚ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ከቢድ ምስሓሓብን ወጥርን ከምዝርከባ ይፍለጥ።

ብሰንኪ’ዚ ኬንያ፣ ሓንሳእ ኣምባሳደር ሶማል ክትሰጉግ እንከላ፣ ካልእ እዋን ድማ ካብ ሞቛድሾ ናብ ኬንያ ዝካየድ ቀጥታዊ በረራታት ደው ኣቢላ።

ኣብዚ እዋን”ዚ፣ መንግስቲ ኬንያ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ደው ንዝበሉ ርእሰ ምምሕዳራትን ዘይሰመራ ዞባታትን ክድግፍ ይረአ ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነተን በብእዋኑ ተነጺለን ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳራት ንምምስራት ዝቃለሳ ዘለዋ፣ ጁባላንድ እትርከበን ዞባታት ‘ታ ሃገር ንምጥርናፍ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

ኬንያን ሶማልን ብክሊ ማይ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳያት እውን፣ ገና ፍታሕ ኣይተረኽበሉን ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0