ሶማልን ኬንያን ዝጸንሐን ምትፍናን ሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓ ተሳማሚዐን

Radio Erena: 17 November 2019

ሶማልን ኬንያን ዝጸንሐን ምትፍናን ብዘተን ሰላማዊን መንገዲ ክፈትሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

ናይ ሶማል ዓብዱላሂ ፋርማጆ ናብ ኬንያ ብምጉዓዝ ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዳግማይ ክጅምር ከምዝተሰማምዑ፣ ካብ ናይሮቢ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ዶባዊ ምስሕሓብ ዘንቀሎ ምትፍናን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ርክብ ተቛሪጹ ናብ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ዓሪጉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ ወከልቲ ኢጋድ፣ ኣሚሶም፣ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላትን ወከልቲ ሃገራት ምዕራብን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ፣ ኬንያታን ፋርማጆን ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ብባህርያዊ ሃብቲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢታት ብዘተን ሽምግልናን ክፈትሖኦ ምዃነን ገሊጾም።

እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት፣ ሶማል ኣብ 2014 ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክፍታሕ ክትጠልብ እንከላ፣ ኬንያ ግና ብቤት ፍርዲ ዘይኮነ ብሽምግልና ክፍታሕ ምምራጻ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ ኣብዚ ብዕለት 14 ሕዳር ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ክልቲኤን ሃገራት ብዘተ ክፈትሖኦ ምዃነን ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0