ሶማልን ቀጠርን ዝምድንአን ንምሕያል ይሰማምዓ

ሶማልን ቀጠርን ዝምድንአን ንምሕያል ይሰማምዓ

Radio Erena: 29 October 2018

Qatar Somalia

ሶማልን ቀጠርን ዝምድንአን ንምሕያል ተሰማሚዐን።

እዘን ክልተ ሃገራት ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ብሚኒስተር ዴ ‘ታ ሱልጣን ቢን ሰዓድ ኣል ሙራይኪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ገምጊሞም።

ኣብቲ ዘካየድዎ ገምጋም፣ ሶማልን ቀጠርን ዝጸንሐን ዝምድና ብዝልዓለ ንምሕያሉ ክሰማምዑ እንከለዉ፣ ቀጠር ኣብ ሓያሎ ጽላታት ሶማል ክትገሮ ዝጸንሐት ምትሕግጋዝ ክትቕጽሎ ምዃና ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክትገብረላ እኳ እንተጸንሐት፣ መንግስቲ ሶማል ግና ምስ ቀጠር ዝጸንሖ ታሪኻዊ ምሕዝነት ከምዘየቋርፅ ብምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘተን ዕርቅን ክፍታሕ ተማሕጺኑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0