ሶማሊላንድ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓትን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 34 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 08 February 2023

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓትን ብዝተኻየደ ግጭት፣ ብውሕዱ 34 ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ ግጭት፣ ነቲ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ምስ ዝቃወሙ ዕጡቓት፣ ብሰኑይ 06 ለካቲት፣ ኣብ ዞባ ላሳካኑድ ከምዝተኻየደ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብምጥቃስ መርበብ ኣልጀዚራ ገሊጹ።

ምስ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ላሳካኑድ ተደጋጋሚ እዋን ናዕቢን ግጭትን ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሓይልታት ጸጥታ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ካብቲ ዞባ ክወጽኡ ዝጠልቡ ዕጡቓት፣ ብፑንትላንድ ከምዝድገፉ’ዩ ዝንገረሎም።

ሶማሊላንድ፣ ካብ 1991 ካብ ሶማል ተፈልያ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር እኳ እንተመስረተት፣ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበትን።

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ግና ከም ኣካል ፈደራላዊት ሶማል ኮይና ትቕጽል ምህላዋ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0