ስፐይን፣ ንኩነታት ናይ’ቶም ኣብ ዶባ ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ዝካየድ መርመራ፣ ምሉእ ምትሕብባር ከምእተርእይ ገሊጻ

Radio Erena: 30 June 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ስፐይን ፔድሮ ሳንቸዝ፣ ብረቡዕ 29 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን ንኽሰግሩ፣ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ዝሞቱ ብውሑዱ 23 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዝተሰመዖ ጓሂ ብምግላጽ፣ ተጀሚሩ ንዘሎ ስሉሳዊ መርመራ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዶብ ስፐይን ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት ጭካነ ዝመልኦ ግብረመልሲ ምሃቦም ኮኒኑ እዩ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 2000 ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን ንኽሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ብሓለዋ ዶብ ብዝተዋህበ ግብረ መልሲ፣ 18 ሰባት ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ፣ ካብ’ቶም ብከቢድ ቆሲሎም ዝነበሩ ናብ ሕክምና ምስተወስዱ ከኣ ሓሙሽተ ህይወቶም ብምስኣኖም፣ እቲ ቁጽሪ ናብ 23 ክብ ኢሉ።

ካብ ወገን ሞሮኮ ይኹን ወይ እውን ስፐይን፣ ብዛዕባ’ቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0