ስዑዲ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ብኤምባሲ ኤርትራ ክኸፍሉዎ ዝንገሮም ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ የማርሩ

Radio Erena: 03 April 2020

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ብኤምባሲ ኤርትራ ክኸፍልዎ ዝንገሮም ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ የማርሩ ምህላዎም ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኮሚተ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኤርትራውያን ብብዝተወደብዎ ማሕበራት ከፊሎም ከብቅዑ፣ እንደገና በብውልቆም ክኸፍሉ ብኤምባሲ ይግደዱ ከምዘለዉ ብድምጺ ተቐዲሑ ዝተላእከልና ሓበሬታ ዘረጋግጽ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ማሕበር ደቂንስትዮ፣ ማሕበር ሞያውያን ሓካይም፣ ማሕበር ኣባላት ህግደፍ፣ ማሕበር ተማሃሮን ማሕበር ወነንቲ ርስሓት ዝጸርጋ መካይን ወይ ሸፋጣን’ዮም።

እዘን ማሕበራት ነፍሲ ወከፈን ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ሪያል ስዑዲ ከፊለን ከብቅዓ፣ ኣባላተን እደገና ብኤምባሲ ዝተሰልዐ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ምግዳዶም ድማ ድርብ ወጽዓ ምዃኑ’ዮም ዘማርሩ ዘለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፍ ሳልስቲ፣ ጉዳያት ንምስላጥ ናብቲ ኤምባሲ ዝኸዱ ኤርትራውያን ነፍሲ ወከፎም ንናይ ኮረና ቫይረስ 500 ሪያል ስዑዲ (ኣስታት 150 ዶላር) ክኸፍሉ ከምዝተገደዱ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ሓሶት እንተደጋገመ ሓቂ ኣይከውንን። ህዝቢ ሱዞድያ ብሓሶትኩም ይስሕቅን ይግረምን ኣሎ። በጃኹም ጾም ኣርብዓ እዩ ሓሶት ግደፉ።