ስዑዲ ዓረብ ደቂንስትዮ መኪና ክመርሓ ዝፈቅድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

ስዑዲ ዓረብ ደቂንስትዮ መኪና ክመርሓ ዝፈቅድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

Radio Erena: 28 September 2017

saudi_womanስዑዲ ዓረብ ደቂንስትዮ መኪና ክመርሓ ዝፈቅድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ።

ብመሰረት እቲ ብትእዛዝ ንጉስ ሳልማን ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት፣ ካብ ወርሒ ሰነ 2018 ኣትሒዙ፣ ደቂንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ መኪና ክመርሓ ክፍቀደለን’ዩ።

ኣብ ዓለም፣ ደቂንስትዮ መኪና ከይመርሓ ከልኪላ ዝጸንሐት እንኮ ሃገር ስዑዲ ዓረብ ጥራይ’ያ።

ብዘይካ’ዚ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ በይነን፣ ፓስፖርት ወኒነን ካብ ሃገር ክወጻን ክኣትዋት ከምዘይተፍቅድ ይፍለጥ።

እዚ ሕጂ ስዑዲ ዓረብ ኣውጺኣቶ ዘላ፣ ደቂንስትዮ መኪና ክመርሓ ዝፈቅድ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣብ ምኽባር መሰል ደቂንስትዮ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ እናተባህለ ይግለጽ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ደቂንስትዮ መራሕቲ ሃገራት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ኣመሓደርቲ ዓበይቲ ትካላት፣ ኣብረርቲ ነፈርትን ካልእ ኩሉ’ቲ ብደቂተባዕቶ ዝዕመም ዕዮታትን ብማዕረ ኣብ ዝሳተፋሉ ዘለዋ እዋን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ “ንደቂንስትዮ መኪና ክመርሓ ክንፈቕደለን ኢና ምባላ፣” ግዳይ ባጫን ሕጨጫን ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይና ኣላ።

===================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0