ስዑዲ ዓረብ ዋንነት ሕ.መ.ኣመሪካ ዝኾነ ኣጽዋር ከተፍሪ’ያ

Radio Erena: 09 June 2019

ፍርያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነ ተተኮስቲ ቦምባታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክፈሪ ዘፍቅድ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኻዪዱ።

ኒውዮርክ ታይምስ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝበጽሓሉ ካብ ዝገበሮም ስምምዓት ሓደ፣ እቲ ኣመሪካ ንስዑዲ ክትሸጠላ ዝጸንሐት ኣጽዋር፣ ገለ ክፋሉ ኣብ ስዑዲ ክፈሪ ከምዝኾነ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮንግረስ ተገሊጹ።

እዚ ብምስጢር ተታሒዙ ዝጸንሐ ረቂቕ ተክኖሎጂ ዝመሰረቱ ቦምባታት፣ ብኮምፕዩተራት ዝምእዘን ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ ነቲ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ዘውርዶኦ ዘለዋ ዕንወት ዘጋድድ እዩ ክብሉ ሓያሎ ኣባላት’ቲ ኮንግረስ ተቓውሞታቶም ኣስሚዖም ኣለዉ።

ስዑዲ ዓረብ ከምዚ ዓይነት ርቀት ዘለዎ ኣጽዋር ባዕላ ከተፍሪ እንተኽኢላ ኣብ ከም በዓል ኢራን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት’ቲ ከባቢ’ውን ሓድሽ ኲናት ክትከፍት ስለእትኽእል፣ ነቲ ድሮ ተናዊጹ ዘሎ ዞባ መሊሱ ዕግርግር ክፈጥረሉ’ዩ ክብሉ እዮም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዘለዉ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ስነስርዓት ቀብሪ ዘካዪዱ ዝነበሩ የመናውያን ድሕሪ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ምምሕዳር ኦባማ ንስዑዲ ዓረብ ዝሽየጥ ኣጽዋር ደው ኣቢሉዎ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0