ስዑዲ ዓረብ ንሶማል 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተበርክት

ስዑዲ ዓረብ ንሶማል 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተበርክት

Radio Erena: 05 October 2017

somali kidsሶማል ካብ ስዑዲ ዓረብ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝተበርከተላ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ዓብዲራሕማን ዑመር ዖስማን ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ነዚ ሓገዝ ተበርክት ዘላ፣ መንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ ጸቕጢ ክትገብረሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ።

ይኹን’ምበር ነቲ ሓገዝ ዝተቐበለ መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ከምዘይበትኽ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

 

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆ፣ ንጉስ ሳልማን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርያድ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ’ያ፣ ስዑዲ ነቲ ምብታኽ ዝምድና ምስ ቀጠር ከም ቅድመ ኩነት ኣቕሪባቶ ዝጸንሐት ሓገዝ፣ ከምዘበርከተቶ ዝግለጽ ዘሎ።

“ምስ ቀጠር ዘሎ ዝምድና ስትራቴጅያዊ’ዩ” ዝበለ መንግስቲ ሶማል፣ እዚ ብስዑዲ ዓረብ ተለጊሱ ዘሎ ሓገዝ ንርክብ ሶማልን ቀጠርን ከምዘይጸሉ ኣነጺሩ።

ሶማል ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ድሕሪ ምብታኻ ስዑዲ ዓረብ ከም ግብረ መልሲ 50 ሚልዮን ዶላር ከምዝሃበታ ዝዝከር ኮይኑ፣ ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና እንተበቲኻ ድማ ተወሳኺ 50 ሚልዮን ዶላር ክትህባ ምዃና’ያ ክትሕብር ጸኒሓ።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ፣ ንሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ጸልዩወን ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0