ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ሰፊሕ መሬት ሰቲት ናይ ሱዳን ን99 ዓመታት ክትውንኖ ምስጢራዊ ስምምዕ ከቲማ

ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ሰፊሕ መሬት ሰቲት ናይ ሱዳን ን99 ዓመታት ክትውንኖ ምስጢራዊ ስምምዕ ከቲማ

Radio Erena: 29 June 2016

Land

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክታት ከተተግብር ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ንኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣጥባራን ሰቲትን ክትግብር ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክታት፣ ን99 ዓመታት ዝጸንሕ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብዚ ከባቢታት እዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ፕሮጀክታት ብምስጢር ክትሓዝ’ውን መንግስታት ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ስምምዕ ከቲሞም።

ኣብ ምህናጽ ዝርከብ፣ ብፊናንሳውያን ትካላት ወሽመጥ ዝተመወለ 150 ሜጋዋት ሓይሊ ጸዓት ዘመንጩ ኤልክትሪሲቲ፣ ንትግባረ እቲ ፕሮጀክታት ሓጋዚ ምዃኑ’ዩ ይግለጽ ኣሎ።

 

እዚ ንነዊሕ ዓመታት ብስዑዲ ዓረብ ክውነን ምዃኑ ዝተነግረሉ መሬት፣ ካብ ሕርሻ ወጻኢ ኣብ ካልእ መዓላ ክውዕል ከምዝኽእል’ውን ሓያሎ ወጋናት ስግኣታቶም ይገልጹ።

ሱዳን ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊታ ናብ የመን ድሕሪ ምልኣኻ፣ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ፊናንስያውውን ልምዓታዊን ሓገዛት ከምዝተበርከተላ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ስዑዳውያን ኣውፈርቲ ኣብ ሕርሻን ካልእ ንጥፈታት እታ ሃገር ርእሰማሎም ከፍስሱ ርሒብ ኣፍደገ ተኸፊትሎም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 11 ቢልዮን ዝነበረ ወፍሪ ስዑዳውያን ኣብ ሱዳን ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ 15 ቢልዮን ዶላር ክብ ክብል ትጽቢት ከምዘሎ ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ይጠቕስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ፕሮጀክት ጸዓት ዝውዕል 200 ሚልዮን ዶላር ካብ ኩዌት ክልቓሕ ባይቶ እታ ሃገር ከምዝደገፎ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረድእ።

==============================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0