“ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ድሮ ልደት፣ ኣብ የመን ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ፣ 12 ኢትዮጵያውያን ተቐቲሎም”

Radio Erena: 09 January 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሰሜናዊ የመን፣ ከተማ ሰዓዳ፣ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብዘካየደቶ ደብዳብ፣ 12 ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም 17 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ሑቲ ገሊጹ።

እቲ ካብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብከቢድ ብረት ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ድሮ ልደት ከምዝተፈጸመ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ፣ ንሳልሳይ እዋኑ ብተኸታታሊ ከምዝተኻየደ ዝጠቐሰ ኣፈኛ ሑቲ፣ ሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ኢሰብኣዊን’ዩ ክብል ወቒሱ።

ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፣ ሊዝ ግራንድ እቲ ኣብ ዕዳጋ ኣልራቐው ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕልን ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስን’ዩ ክትብል ኮኒናቶ።

ኣፈኛ ሰራዊት ልፍንቲ፣ ስዑዳዊ ኮለነል ቱርኪ ኣል ማሊኪ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ኵናት ዘይተሓስበ ክሳራታትን ዕንወትን ክወርድ ንቡር’ዩ ብምባል’ዩ ገሊጽዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ የመን ብዝተኻየደ ደብዳብ ስዑዲ ከምዝተቐትሉ ዝግለጹ ዘለዉ ዜጋታቱ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0