ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣስታት 30 ሽሕ ኢትዮጵያን ሰጕጓ

Radio Erena: 23 July 2021

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያን ከምዝሰጎጎት፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

እታ ሃገር፣ ካብ 26 ሰነ ክሳብ 9 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 30, 078 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ከምዝመለሰት ዝሓበረ እቲ ትካል፣ ካብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ክሳብ ሰነ 2021 ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፣ ካብ ዝተሰጉ ኢትዮጵያዉያን እቶም 40% ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተሰጕጎም ክምለሱ ንዝጸንሑ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታቱ፣ ይኣስር ምህላዉ ይውቐስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ተወላዶ ትግራይ ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፣ ደገፍቲ ሓይልታት ትግራይ ኢኹም ብዝብል ክሲ፣ ምሕዳስ ፓስፖርትን ምስላጥ ካልእ ጉዳያትን ይኽልክሎም ከምዘሎ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምስጓግ ዘውጽኣቶ መደብ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተሰናኺሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ካብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣትሒዛ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ነናብ ዓዶም ምምልስ ትቕጽሎ ኣላ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0