ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን እናዓረገ ንዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ፣ ንምህድኡ ተበግሶ ክትወስድ ምሕጽንታ ቀሪቡ

Radio Erena: 13 August 2021

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜና እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ንምህድኡን፣ ክልቲኤን ሃገራት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርባ፣ ስዑዲ ዓረብ ከም መንጎኛ ክትዋሳእ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሱዳን ጸግዒ ህወሓት ዝሓዘተ ስለዝኾነት፣ ኣብዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከም ዓራቒት ክትዋሳእ ኣይትኽእልን’ያ ዝብል መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ሱዳን ስለዘቆጥዖ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣምባሳደሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰሓበ’ዩ ተገሊጹ።

ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ሱዳን ኣብ ኵናት ትግራት ከም ሸምጋሊት ክትዋሳእን፣ ብምብራቕ ሱዳን ድማ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኣትወሉን ተኽእሎታት ከምዝዘተያ ይፍለጥ።

ንእማመታት ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝሕሰም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን’ውን ምስ ዝጸንሖ ምስሕሓብ ናይልን ዶባዊ ግጭትን ተደማሚሩ፣ ኣብዚ ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ልሒሙ፣ ንኢትዮጵያ ናብ ውድቀት ዘምርሓ ዘሎ ኩነታት፣ ዘዛቲ መንጎኛ ዘይብሉ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ኣብ ኵናት ትግራት ኢዳ ዝሓወሰት ኤርትራ፣ ንመንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ከተቐራርብ እኳ እንተፈነተት፣ ክሰልጣ ኣይከኣለን።

ምስ ኩሎም መንግስታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲፕሎማሲ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብፍላይ ነዚ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምህዳእ ናይ ሽምግልና ተበግሶታት ክወስድ ካብ ዝምሕጸና ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኤርትራ’ያ።

ጂቡቲ’ውን፣ ተመሳሳሊ መርገጺ ሒዛ ከምዘላ ዲፕሎምስያዊ ምንጭታት ይእምቱ።

እንተኾነ፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ንመርገጺ ግብጺን ሱዳንን ከምእትድግፍ ዝንገረላ ስዑዲ ዓረብ፣ ነዚ ዘሎ ወጥሪ እዘን ሃገራት ንምህዳእ፣ ተበግሶ ብዛዕባ ክትወስድ ምዃና ዛጊት ኣይተመልከተን።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0