ስዑዲ ዓረብ፣ ንሱዳን 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር’ያ

ስዑዲ ዓረብ፣ ንሱዳን 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር’ያ

Radio Erena: 25 February 2016

Sau

ስዑዲ ዓረብ ንሱዳን 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ።

ሱዳን ትሪቡን ንምንጭታት ብምጥቃስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ ንሱዳን ዝወሃብ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ሓገዝ፣ ንሊባኖስ ዝተሓስበ’ዩ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብ19 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ንሊባኖስ ክወሃብ ዝተሓስበ ናይ ቢልዮናትል ዶላር ወትሃደራውን ጸጥታውን ሓገዝ ከምዝተሰረዘ ብወግዒ ድሕሪ ምሕባሩ ድማ’ዩ እቲ ሓገዝ ናብ ሱድን ከምዝሰጋገር ዝግለጽ ዘሎ።

 

ስዑዲ ምስ ሊባኖስ ዝነበራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ትስርዝ ዘላ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብመንገዲ ሖዝቡላህ ንተቓወምቲ ሑቲ ይድግፍ ኣሎ ብዝብል’ዩ።

ናብ ካርቱም ሓጺር ዑደት ዘካየድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓደል ኣል ጁበይር፣ ብዛዕባ እቲ ገዚፍ ወትሃደራዊ ሓገዝ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ከምዘረጋገጸሉ’ውን ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

እንተኾነ ብዛዕባ’ዚ ስዑዲ ዓረብ ንሱዳን ክትልግሶ ምዃና ዝተሓበረ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ሓገዝ ካብ ክልትኤም መንግስታት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

ሱዳን ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዘላ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ደገፍ፣ ኣቐዲማ’ውን ናይ ኣስታት 2 ቢልዮን ልምዓታውን ፊናንስያውን ሓገዝ ከምዝተበርከተላ ይዝከር።

ሱዳን ንስዒዲ ዓረብ ብምድጋፍ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ናብ የመን ከተዋፍር እንከላ፣ 1300 ተወሰኽቲ ወትህደራት ንምውፋር’ውን ቅርብቲ ምህላዋ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0