ስዑዲ ዓረብ፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ እትልእኮ ነዳዲ ደው ኣቢላ

ስዑዲ ዓረብ፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ እትልእኮ ነዳዲ ደው ኣቢላ

Radio Erena: 27 July 2018

Saudi oil tanker

ስዑዲ ዓረብ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ እትልእኮ ነዳዲ ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጠ ዘላ፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ብሮቡዕ 25 ሓምለ፣ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዘመላልሳ መራኽባ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላጽ’ያ።

እንተኾነ ሑቲ፣ እቲ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መራኽ ኵናት ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ እትልእኮ ነዳዲ ደው ምባላ፣ ባብ ኤልመንደብ ብሰንኪ ሑቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ብዝብል፣ ቁጠባ ዓለም ብሰድድ ነዳዲ ብምጽላው፣ ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ሑቲ ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስዳ ካብ ምሕላን እትገብሮ ዘላ ጸወታ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ይኹን’ምበር ሑቲ’ውን ኣብ ወደብ ሖደይዳ ዝካየደሉ ዘሎ ጽዑቕ መጥቃዕታት ትንፋስ ንምርካብ፣ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ስዑዲ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝኽእል ዝገልጽ ኣለዉ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0