ስዑዲ ዓረብ፣ ሲነማታት ድሕሪ 35 ዓመታት ብወግዒ ጀሚሩ

ስዑዲ ዓረብ፣ ሲነማታት ድሕሪ 35 ዓመታት ብወግዒ ጀሚሩ

Radio Erena: 20 April 2018

saudi cinema

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብሕጊ ሸሪዓ ን35 ዓመታት ተኣጊዱ ዝጸንሐ ሲነማ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብወግዒ ከምዝጀመረ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ብሮቡዕ 18 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ፣ ምርኢቱ ዝጀመረ ሲነማ፣ Black Panther ዝተሰምየት ናይ ሆሊዉድ ፊልም፣ ንኣስታት 500 ናይ ክብሪ ዕዱማት ብምእንጋድ’ዩ መጋረጅኡ ቀንጢጡ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሲነማታት ካብ 1 ግንቦት ኣትሒዞም ንህዝቢ ክፉታት ከምዝኾኑ ዝኣወጀት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ምርኢታት ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝኾነሉ፣ ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮን ተሓዋዊሶም ፊልም ክርእዩ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጣ።

ደቂንስትዮ ወይ ደቂተባዕትዮ ንበይኖም ክኾኑ እንተመሪጾም ከኣ ዝተዳለወ ፍሉይ ቦታታት ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ራእይ 2030 ዝተሰምየ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ኣብ እተተኣታትወሉ ዘላ፣ ቅድሚ ሕጂ ብሕጊ ሸሪዓ ክልኩላት ዝነበሩ፣ ንደቂንስትዮ መኪና ከይዝውራ፣ ኣብ ሜዳታት ስፖርት ከይርኣያ፣ ኣብ ሰራዊት ከይጽንበራን ካልእን ዝኽልክል ሕግታት ቀስ ብቀስ ተልዕሎ ኣላ።

ይኹን’ምበር ኣኽረርቲ ኣመንቲ ምስልምና ነዚ ናይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ይቃወሙ ኣለዉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0