ስዑዲ ዓረብ፣  ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ቀይዳ ከምዘላ ተገሊጹ

ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ቀይዳ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: February 27, 2014

Saudi Police

ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ጉዳይ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ የእትያ ከምዘላ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እት ኣሃገር ብምጥቃስ ጋዜጣ ኦካዝ ሓቢራ።

እቶም ስዑዲ ዓረብ ምስ ጉዳይ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብዝተሓሓዝኣብ ቀይዲ የእትያቶም ዘላ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣስማቶምን ይኹን ኣብ ቀይዲ ዝኣተውሉ ዕለትን ብንጹር ኣይተሓበረን።

 

ይኹን’ምበር ናብታ ሃገር ዑቕባ ንምሕታት ዝኣተዉ ተራ ስደተኛታት ክኮኑ ከምዝክእሉ ግምታት ኣሎ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ ክልተ ኢራናውያን፣ ኣርባዕተ ሶማላውያን፣ ሽዱሽተ ሱዳናውያን፣ ሰለስተ ኢትዮጵያውያንን 10ታት የመናውያንን ዝርከብዎም 417 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ቀይዲ የእትያ ከምዘላ እቲ ናይ ጋዜጣ ኦካዝ ጸብጻብ የመልክት።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0