ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሱዳን 3 ቢልዮን ዶላር ሰሊዐን

Radio Erena: 22 April 2019

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሱዳን ናይ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መዲበን።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ነቲ ሓገዝ ከም መርኣያ ናይቲ ንበሺር ብዕልዋ ብምእላው ስልጣን ሒዙ ዝርከብ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ዘለወን ደገፍ ንምርግጋጽ’ዩ።

ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ዘሎ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ንዝሃቦ ውሳኔ ብህዝቢ እታ ሃገር ተቓውሞ ይገጥሞ እኳ እንተሎ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጺን ምሉእ ደገፈን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

እዚ ናይዘን ሃገራት ሓገዝ፣ ነቲ ቀጠርን ቱርኪብ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ምትእትታው ንምብታኽ ዝዓለመ ምዃኑ’ውን ይንገር።

መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ወደብ ስዋኪን ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ቱርኪ ክዓጹ ትጽቢት ከምዘሎ ዝተፍላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይእንፍቱ።

ብፍላይ እታ ብጉዳይ ናይልን ዶባትን ምስ ሱዳን ኣብ ምርድዳእ ክትበጽሕ ዘይክኣለት ግብጺ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝህሉ ርክብ ክብተኽ ዘለዋ ድሌት፣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ርጉእ መንግስቲ ክፍጠር ኣንጻር ረብሓኣ ከምእትጥምቶ ተንተንቲ ፖለቲካ ዘረድኡ።

መራሒ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ብዘይካ’ዚ ናይ ኣመሪካ ደገፍ ንምርካብ ምስታ ሃገር ዝርርብ የካይድ ከምዘሎን ናብ ዋሽንግተን ምብጻሕ መዲቡ ምህላዉን ይጠቐስ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኩነታት ድሕሪ ምርግግኡ ስልጣኖም ብህዝቢ ንዝተመርጸ ሲቪላዊ መንግስቲ ከረክቡ ምዃኖም’ዩ ዘመልክት።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፣ ኣማኻሪኡ ዓሊ ናፍዕ ዓሊ፣ ምክትል ፕረዚደንት ዓሊ ዖስማን ጣሃ ዝርከብዎም ናይ ቀረባ መሳርሕቲ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሰሜናዊ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮባር ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ነበር በሺር፣ 7 ሚልዮን ኤውሮ ተሓቢኡ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ እቲ ጀነራል፣ ኩሎም ብገበን ዝኽሰሱ ሰበ ስልጣን ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0