ስዊዘርላንድ፣ ኣብዚ 12 ዓመታት ዝወሓደ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ መዝጊባ

Radio Erena: 13 February 2020

ስዊዘርላን፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2019፣ ብጠቕላላ ዘአንገደቶ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ 14,269 ምዃኑ ተገሊጹ።

ካብዚ ብብዝሒ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዙ ዜጋታት ኤርትራ ኮይኖም 2899 ይበጽሕ።

እዚ ብዝሒ’ዚ ኣብታ ሃገር ኣብዚ 12 ዓመታት ካብ ዝመዝገበቶ ኣሃዝ እቲ ዝወሓደ ምዃኑ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ይርከብ።

ምስ ናይ 2018 ዝነበረ ጠቕላላ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ክወዳደር እንከሎ ድማ ብ6.5% ጎዲሉ ኣሎ።

ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ስዊዘርላንድ ዝጎደለሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ውጽኢት ናይቲ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝመጹ ይኹን ብቱርኪ ናይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምግታእ ዝካየዱ ዘለዉ ሓያሎ ስምምዓት ምዃኑ’ዩ ዝኣምን ክፍሊ ኢምግሬሽን’ታ ሃገር።

እታ ሃገር ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዑቕባ ዝሓተቱ ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት፣ ንኣስታት 5550 ዑቕባ ሂባ’ላ።

ብኣንጻሩ ድማ ክንድኦም ዝኣኽሉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ 2018 ብወለንትኦም ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ተቐባልነት ዘይሃበቶም ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ዝምለስሉን ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግትኣሉን መንገድታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምዝርራብ ከተካይድ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ’ዩ።

ሓደ ከም ኣካል ናይቲ መደብ ድማ፣ እታ ሃገር ኣብ ሞያዊ ስልጠናን ካልእ ፕሮጀክታትን ዝውዕል ናይ ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ንኤርትራ ክትቅጽል ምውሳና ዝሓለፈ ቅንያት ተገሊጹ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0