ስዊዘርላንድ፣ ናብ ዓዶም ንዝምለሱ ኤርትራውያን ከተባብዕ’የ ትብል

Radio Erena: 13 September 2019

ስዊዘርላንድ፣ ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ኤርትራውያን ናይ መተባብዒ ሓገዛት ክትገብር ምዃና ገሊጻ።

ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ንዝመለሱ ወጻእተኛታት፣ ናይ ትምህርቲ ይኹን ካልእ መደባት እንተለዎም፣ መንግስቲ ስውዘርላንድ ክሳብ 5 ሽሕ ዶላር ክውምሎም መዲቡ ከምዘሎ ንክፍሊ ኢምግሬሽን እት ኣሃገር ብምጥቃስ መርበባት ሓበሬታ ገሊጸን።

እቲ መደብ፣ ንኤርትራውያን ኣብ ቅድሚት ዘቀመጠ ምዃኑ ዝሓበረ ክፍሊ ኢምግሬሽን ስዊዘርላንድ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ መደባት ዝተሓባበር ኣካል ስለዘየለ ግና ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ክፍሊ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 50 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ።

ስዊዘርላንድ፣ ኣቐዲማ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን፣ ግዝያዊ ወረቐቶም ከምዘይተሐድሰሎም’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

እንተኾነ፣ ናብ ኤርትራ ብግዴታ ንምምላሶም ዘኽእል ኩነታት ስለዘየለ እቲ መደብ ተቛሪጹ ይርከብ።

እታ ሃገር፣ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 6 ሽሕ ወጻእተኛታት ነናብ ሃገሮም ክትሰጉግ እንከላ፣ ኣስታት 6 ሚልዮን ዶላር ውጻኢ ጌረ’ያ ትብል።

እንተኾነ፣ በዚ ናይ ምስጓግ መስርሕ ንኤርትራውያን ስለዘይተኻእለ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ምጥያስ ፕሮጀክታት ንምትእትታው ሓሳብ ከምዘለዋ ትገልጽ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሰሚናር ንምምክያድ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ስዊዘርላንድ ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ኢኛዝዮ ካሲ ንምርኻብ ዝቐረብ መደብ ከምዘይተቐበሎ፣ ኣርጋዌ ዜቱንግ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዘተኣታተወቶ ጽኑዕ ሕግታት፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ በብእዋኑ ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰግሩ ተገዲዶም’ዮም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0